ምግላጽ ብዛዕባ ኣውቶስትራዳን ፈጣን መንገድን፡ ፍልልያቶም እንታይ ምዃኑን ኣብ ግዜ ምዝዋር ኣብኡ ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለካን። እዚ ድማ ነቲ ተለማማዲን ኣንባቢን ዝጠቕም እዩ። ንኹሉ እቲ ንመራሒ ኣብ ግዜ ምዝዋሩ ዝሕግዞ ነገር ክገልጽ እየ።
ኣቐድም ኣቢልና ብዛዕባ ምዝዋር ኣብ ኣውቶስትራዳ ክንዛረብ ኢና

ኣውቶስትራዳ፡ ንምዝዋር ክሳብ ሰለስተ መስመራት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ዝለዓለ ፍጥነት 120 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ክኸውን ይኽእል, ኣህጉራዊ መንገድ ድማ ይቑጸር። ንሱ ብቐጥታ ዝተዘርግሐ, ሰፊሕ, ምስ ካልኦት መገድታት ድማ መተሓላለፊ ዘይብሉ እዩ። ከምኡውን ዕንቅፋታት ወይ መሓግቲታት ወይ ኣብ ዘንጸላልዎ ተጻረርቲ መስመራት ምዝዋር የብሉን። ብመንገዲ እቲ ንኣገልግሎት ህጹጽ ግዜን ፖሊስን ስራሓትን እተሰርሐ ንቑጽ መኻይኖም ደው ምባል ወይ ምዕጻፍ ኣይፍቀደካን እዩ።
ስእልታት ነቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ኣውቶስትራዳን ፈጣን መንገድን ንምርኣይ፡ ስእልታት ናይ ኣውቶስትራዳታት


ናይ ምፍጣን መስመር ናብ ኣውቶስትራዳ ንምእታው

ንስኻ ከም መራሒ መጠን ፍጥነትካ ምስቲ ኣብ ኣውቶስትራዳ ዘሎ ምንቅስቓስ ክትሰማምዖ ኣለካ። ናብቲ ናይ ምፍጣን መስመር ኣቲኻ ብቐስ ዝበለ ፍጥነት ክትጸንሕ የብልካን። እዚ ንዕንቅፋት ወይ ንሓደጋ ዝምርሕ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ፍጥነትካ ምስቲ ካልእ ምንቅስቓስ ክተሰማምዖ ኣለካ።
ኣብ ኣውቶስትራዳ ክትዝውር ከለኻ ኣብ መንጎኻን ኣብ ቅድሜኻ ዘላ መኪናን ርሕቐት ውሕስነት ክትገብር ኣለካ። መኪናኻ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ናትካ ናይ ምዝዋር መስመር ከተንብራ ኣለካ, ምእንቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ክትከውን። ክትሓልፍ ክትደሊ ከለኻ እዘን ናይ ምሕላፍ ስጉምታት ክትትግብር ከም ዘይትርስዕ፡
- መንገድ ንቕድሚት ንጹርን ግሁድን ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ መንጎኻን እታ ቅድሜኻ ዘላ መኪናን እኹል ርሕቐት ግበር
- ምስቲ ንስኻ ክትሓልፍ ዝደለኻሉ ግዜ ሓደ ዓይነት መካይን እናሓለፋ ከም ዘየለዋ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ማእኸላይ መስታወትካን ኣብቲ ናይ ጸጋም ጎኒ መስታወትካን ርአ
- በቲ ርእስኻ ናብ ጸጋም ክሳድካ ብምጥውይ፡ ናብቲ ዘይርአ ኩርናዕ ርአ, ኣብ ጎድንኻ መኪና እንተልያ ክትርኢ ኣለካ, ምኽንያቱ ብመስታወት ክትርእያ ኣይትኽእልን ኢኻ
- ድሕሬኻ ወይ ኣብ ጎድንኻ መካይን እንተዘይሃለዋ፡ ናይ ጸጋም ጋማዝ ሃብ እሞ ብሰላም ብሓደ ፍጥነት ናብቲ ናይ ጸጋም መስመር ስገር
ናብቲ ናይ ጸጋም መስመር ምስ ተሰጋገርካን ነቲ ናይ ምሕላፍ መስርሕ ምስ ወዳእካዮን፡ ናብቲ ናይ የማን መስመር ክትምለስ ኣለካ። ኣብቲ ናይ ጸጋም መስመር ክትቅጽል የብልካን። ናብቲ ናይ የማን መስመር ክትምለስ ከለኻ ድማ ነተን ዝተጠቕሳ ናይ ምሕላፍ ስጉምትታት ተግብር፡ ማእኸላይ መስታወት፡ ናይ ጎኒ መስታወት፡ ዘይርአ ኩርናዕን ጋማዝን፡ ናብ የማን ድማ ስገር። እቲ ናይ ጸጋም መስመር ንኣገልግሎት ህጹጽ ግዜን ፖሊስን ንምሕላፍን እዩ ዝጥቀመሉ። ኣብቲ ናይ ጸጋም መስመር ምዝዋር ምቕጻል ግን ኣይፍቀድን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ፖሊስ እንተ ኣዒቑምኻ፡ ዓቐብ ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።
ምሕላፍ በቲ ናትካ ፍጥነት ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ናይ ምሕላፍ መስርሕ ብቕልጡፍ ንምውዳእ ፍጥነትካ ክትውስኽ ኣይፍቀደካን። እታ ክትሓልፋ እትደሊ መኪና ድማ ካብቲ ኣብ መንገድ እተወሰነ ፍጥነት ንታሕቲ ትጓዓዝ ኣላ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ተግባር ፈተናኻ ኣብ ግዜ ምዝዋር ወይ ምሕላፍ ፍጥነትካ እንተ ወሲኽካ፡ ከም ዝወደቕካ ሓስብ።
ኣብ መኪናኻ ዘገድደካ ምቁራጽ ምንቅስቓስ ዝገብር ዕንቅፋት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ህዱእ ክትከውንን መኪናኻ ናብ ጫፍ የማን መንገድ ከተቕንዕን ኣለካ። ናይ የማን ጋማዝ ሃብ እሞ ኣብ የማናይ ሸነኽ መንገድ ደው በል። መብዛሕትኡ ኣውቶስትራዳታት ጽቡቕ ናይ ገምገም መንገድ ህልው፡ ኣብኡ ክትቆም ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ (ሩባዒ) በቲ ነዚ ስእሊ ዝሓዘ ጕልጕል ኣብርህ ![]()
ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ትሪኣንግል (ሰለስተ ኩርናዕ) ድማ ነቲ ካልእ ምንቅስቓስ ትራፊክ ንምትሕስናብ፡ ኣብ እኹል ርሕቐት ኣንብር።
ኣብ ኣውቶስትራዳ መሰረታዊ ምልክታትን ሻውሾዋን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ይርከቡ፡
ሓንቲ ንእሽቶ ጻዕዳ ምልክት ኣላ፡ ንሳ ቁጽሪ መውጽኢት ተመልክት፡ ከምኡውን እቲ መንገድ ኣህጉራዊ ምዃኑ እያ እትገልጽ።

ምልክት መውጽኢት

ምልክት መውጽኢት ኣስታት 250 ሜትሮ ቅድሚ እቲ መውጽኢት እዩ ዝቕመጥ። ስም እታ ከተማ ኣብኡ ይጸሓፍ። እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ካብዚ መውጽኢት ክትከይድ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ የማን ጽናሕ እሞ ነዚ ዝስዕብ ምልክት ክትርኢ ከለኻ ንምውጻእ ተዳሎ፡

ኣብቲ መውጽኢት ካብ ርሑቕ ንኣሽቱ ምልክታት ከምዚ ዝስዕብ ምስ ትርኢ፡

እዘን ንኣሽቱ ሰማያዊን ጻዕዳን ምልክታት፡ እቲ ዕጽፎ ብርቱዕ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ሽዑ ኣዝዩ ጥንቁቕ ኩን እሞ ፍጥነትካ ብግቡእ ግዜ ኣዝሕል ።
ካልኣይ፡ ብዛዕባ ምዝዋር ኣብ ፈጣን መንገድ ክገልጽ እየ

እቲ ፈጣን መንገድ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ መስመር ጥራይ ዘለዎ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት መገድታት ይራኸብ። ንምሕላፍ ዝሕግዝ ተወሳኺ መስመር ምዝዋር ዘለዎ ፍልልያት ክህልዎ ይኽእል፡ እዚ ድማ ንገለ ሚእቲ ሜትሮ ይቕጽል እሞ፡ ድሕሪኡ ናብ ሓደ መስመር ምዝዋር ይምለስ። እቲ ዝለዓለ ፍጥነት ኣብኡ 100 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት እዩ። መሓግቲ መፋርቕ ክህልዎ ይኽእል ወይ ኣይክህሉን ይኽእል። እዚ ከም ኣብነት፡

መተሓላለፊ መገድታት ኣብ ፈጣን መንገድ

ተወሳኺ ዝተፈላለየ መስመር

ኣብ ቀይሕ ፍላጻታት ተመልከት፡ እቲ መሓግቲ ኣብ ማእከል መንገድ ምስ ዝውዳእ፡ ንኣንጻር ምንቅስቓስ ከም እትራኸብ ብምልክት ትነቕሓ

ኣብቲ ዝቕጽል መተሓላለፊ ኣብ ፈጣን መንገድ ናብ ጸጋም ክትዕጸፍ እንተ ደሊኻ፡ ቅድም ኣቢልካ ክትዳሎ ኣለካ፡ ነቲ ድሕሬኻ ዝጓዓዝ ዘሎ ድማ ናይ ምዕጻፍ ድሌትካ ብንጹር ከተርእዮ ኣለካ። እዚ ድማ ቅድሚ ግዜኡ ናይ ጸጋም ጋማዝ ብምሃብን ንምዕጻፍ ፍጥነትካ ብምምጥጣንን እዩ። ከምኡውን ናብቲ ንናይ ጸጋም ምዕጻፍ እተመደበ መስመር ምእታው ኣለካ። እዚ ከም ኣብነት ዘርኢ ስእሊ፡

ናብ መተሓላለፊ መገድታት ኣብ ፈጣን መንገድ ክትቐርብ ከለኻ፡ ዝያዳ ኣተኩሮ ሃብ፡ ርእየትካ ኣዛይድ እሞ ነቕሓ።
ክትምለስ ወይ ክትዕጸፍ ክትደሊ ከለኻ፡ ነቲ ናብ ጸጋም ንምዕጻፍ እተመደበ መውጽኢ ኣይትጥቀመሉ። ነቲ ንዕኡ እተመደበ ቦታ ተጠቐም፡ ስሙ ድማ **”ናይ ስጳኛ ምምላስ” (Spanish turn)** እዩ። ብዛዕባኡ ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዝርዝር መግለጺ ትረክብ ኣብዚ ጽቐጥ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- Utan መፋለጢ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ
- ንኹሉ ትምህርቲ ምብጻሕ
- 1400 ሕቶታት ንምርካብ
- ኩሉ ምልክታት ትራፊክ
- ኮምፒተር ወይ ሞባይል
- ብዘይ መወዓውዒ
- ውጽኢት ፈተናታት ኣርእዩ
- ቅጽበታዊ ምንቅስቓስ